ን300 ትካላት ጥዕና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ዝዓለመ ፕሮጀክት ወግዓዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ን300 ትካላት ጥዕና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ን6 ነጥቢ 7 ሚሊየን ወገናት ኣገለግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ዝዓለመ ፕሮጀክት ወግዓዊ ኮይኑ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብብርኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኡጋንዳ፣ ዛምቢያን ፓኪስታንን ዝትግበር እንትኸውን፥ ነዚ መፈፀሚ ዝኸውን 35 ሚሊየን ዶላር ከምዝተሰለጠ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ሎሚ እቲ ፕሮጀክት ወግዓዊ ገይሮም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተመረፁ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ኣማራፅታት ሓይሊ ፀሓይ ብምጥቃም ሓይሊ ኤሌከትሪክ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፈትያ ኣብደላን ሰለሞን ይታየውን

Comments (0)
Add Comment