ን135 ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ከይዲ ሰብኣዊ ሓገዝን ንኽፅብፅቡን ክሕግዙን ፍቓድ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ዘመልከቱን ዓለም ለኸ መለክዒ ዘማልኡን 11 ዓለም ለኸ ኣባላት ሚዲያ ዝርከቡዎም ን135 ዓለም ለኸ ትካላትን ሰራሕተኛታትን ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ከይዲ ሰብኣዊ ሓገዝን ንኽፅብፅቡን ክሕግዙን ፍቓድ ተዋሂቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዘድሊዮምን ቅድም ክብል ብፕሮግራም ሴፍቲኔት ተሓቚፎም ሓገዝ እናተገበረሎም ዝነበሩ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታትን ሓዊሱ ን2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ምፍላይ ተገይሩ ከምዝነበረ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ፡፡

ይኹን እምበር ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ሓገዝ ዘድሊዮም ዝተብሃሉ ወገናት ብምውሳኽ ን3 ነጥቢ 1 ሚሊየን ወገናት ሓገዝ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኢዩ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ንወገን ምብፃሕ ብዝተገበ ርብርብ ኣብ ምሕጋዝ ዝተሳተፉ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment