ን125 ዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮ- ሩሲያ ኣብ ሕውነትን ምትእምማንን ዝተሃንፀ ኢዩ-ኣምባሳደር ኢቭጄኒ ተሬኪን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ን125 ዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮ- ሩሲያ ኣብ ሕውነትን ምትእምማንን ዝተሃንፀ ኢዩ ክብሉ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጄኒ ተሬኪን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ረክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1898 ዓ.ም.ፈ ምጅማሩ ይዛረቡ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ ኲናት ዓድዋ ንዝቖሰሉ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ንምሕካብ ኣብ 1896 ዓ.ም.ፈ ካብ ሩሲያ ጉጅለ ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ድማ ኣብ ሕክምናን ትምህርቲን ዝኣመሰኑ ማሕበራዊ ዓውዲታት ብምትሕብባር ንክሰርሓ አምነ ኩርናዕ ምንባሩ ተዛሪቦም።

ኣብ 1935 ዓ.ም.ፈ ኢትዮጵያ ብፋሽሽቲ ሓይሊ ክትውረር እንተላ ኣብ መድረኽ ሊግ ኦፍ ኔሽንስ ነቲ ወራሪ ብፅኑዕ ኣብ ምውጋዝ ሩሲያ ፈላመይቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣብ 19 59  ኣፄ ሃይለስላሴ ኣብ ሩሲያ ዝገበርዎ ዑደት ንክልቲአን ሃገራት ምጅማር ዘበናዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ መሰረት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሩሲያ ኣብ 1947 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ደጃዝማች ባልቻ፣ ኣብ 1966 ኣብ ባህርዳር ፖሊ ቴክኒክ ኢንስቲትዩትን ሓፅቢ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምህናፃ ብምብራህ እዚ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘቀራረበ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘሎ ምትሕብባር ክብ ምባል ከምእትደሊን ንኢትዮጵያዊያን ናፃ ዕድል ትምህርቲ ንምድላው ፃዕሪታት ትገብር ከምዘላ ሓቢሮም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment