ንፕሮግራም ቅድመ ምረቓ መውፅኢ ፈተና ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅሬት ላዕለዎት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ንኹሎም ፕሮግራማት ቅድመ ምረቓ መውፅኢ ፈተና ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ፕሬዚዳንታት መንግስታዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተዛቲዮም፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ትካላት ተሓታትነትን ፍሰት ሓበሬታን ንምዝርጋሕ ከምኡ እውን ውፅኢታዊን ስሉጥን ስራሕ ንኸሳልጡ ዘኽእል ኣብ ዝተብሃለ ረቂቕ ሰነድ ውዳበ ዩኒቨርሲቲታት መንግስቲ ዘድሃበ ኢዩ።

ፅሬት ትምህርቲ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ዝድለ ብርኪ ክብ ክብል ንምግባር ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ትምህርቲ ንኹሎም ፕሮግራማት ቅድመ ምረቓ ከምዝወሃብ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ዩኒቨረሲቲታት ማሕበረሰብ ትምህርቲ ካብ ፖለቲካ ናፃ ኮይኖም ሓሳቦም ዘንቀሳቕሱሎም ትካላት ክኾኑ ከምዝግባእ ምግንዛቦም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment