ንፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝግበር ደገፍ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ትካላት ንፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝግብርዎ ደገፍ ይቕፅል ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል 14 ዙር ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ደገፍ ዝገበሩ ትካላት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ፥  ኦቪድ ኮንስትራክሽን ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር 30 ሚሊየን ብር፣ ቢዝነስ ኣግሪካልቸራል ኢትዮጵያ 20 ሚሊየንን 500 ሺሕን ብር ኢሉ እውን ናውቲታት ትምህርቲ መፍረዪን መከፋፈልን ትካል 10 ሚሊየንን 400 ሺሕን ብር ደገፍ ገይሮም።

ብተወሳኺ ዓለማየሁ ከተማ 10 ሚሊየን ብር፣ ኤም ኤስ ኤ ትሬዲንግ 10 ሚሊየን ብር፣ ኣሰር ኮንስትራክሽን 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣንቴክስ ቴክስታይል 6 ሚሊየን ብር ፣ ኮርቴቫ ፓዮናር ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር 5 ሚሊየን ብር፣ ሃንሳ ግሩፕ 5 ሚሊየን ብር፣ ኤኪው ሮዝ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር 5 ሚሊየን ብር፣ ሃምበርግ ሮዝስ 5 ሚሊየን ብር፣ ኣርቫይንድ ላይፍ ስታይል ኣፓረል ማኑፋክቸሪንግ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር 5 ሚሊየን ብር፣ ከንቲቻ ማይኒንግ 5 ሚሊየን ብር፣ ቻይና ሬይል ዌይ 21ኤስቲ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ 5 ሚሊየን ብር  ኢሉውን ሁዋዌ 5 ሚሊየን ብር ቃል ኣቲዮም።

ክሳብ  በቲ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ደገፍ፥ ብድምሩ 7 ቢሊየንን 401 ሚሊየንን 625 ሺሕን 232 ብር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment