ንፍርያት ዘድልዩ እታወታት ኣብ ዕዳጋ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ማሕበር ኢንዱስትሪታት ቆርበት ኢትዮጵያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንፍርያት ዘድልዩ እታወታት ኣብ ዕዳጋ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ማሕበር ኢንዱስትሪታት ቆርበት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዓውዲ ከምዝገለፁዎ፥ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዕዳጋ ቆርበት ኣንቆልቊሉ ዝነበረ እንትኸውን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብተፃራሪ ምንቕቓሕ ዕዳጋ እንትረአ ድማ ሕፅረት ቆርበት ብዕራይን በጊዕን ኣጋጢሙ ኢዩ፡፡

ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር ኢንዱስትሪ ቆርበት ኢትዮጵያ ኣይተ ታጠቅ ይርጋ፥ ዕዳጋ ቆርበትን ኣንጋረን ኮቪድ-19 ብምውልዑ ኢንዱስትሪ ቆርበት ኢትዮጵያ ኣዚዩ ተዳኺሙ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዝተቐየረሉ ኩነታት ከምዘሎን ኣመልኪቶም፡፡

ይኹን እምበር እቲ ዓውዲ ብኮንትሮባንድ ንግዲን ሕፅረት እታወትን ብፍላይ ሸርፊ ወፃኢ ብእዋኑ ዘይምርካብ ልዑል ፀገም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ተወካሊ መካየዲ ስራሕ ማእኸል ምርምር ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን ኣይተ መሓመድ ሑሴን ብግደኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርያት ቆርበት ዝሐሸ ከምዝኾነን ብምኽንያት ኮቪድ ዝተዘሓሓለ ዕዳጋ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን ፀሪሖም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ፍርያቶም ናብ ወፃ ንዝልእኹ ፋብሪካታት ቆርበት ቅድሚት ሸርፊ ወፃኢ ንኽረኽቡ ምስ ብሄራዊ ባንኪን ዝምልከቶም ኣካላትን እናሰርሑ ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment