ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ዝወዳደሩ ሓሙሽተ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ዕላዊ ኮይኖም።
ብመሰረት ካብ ክልል ትግራይ ኣትሌት ገ/እግዚአብሔር ገ/ማርያም፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ያየህ ኣዲስ፣ ካብ ክልል ኦሮሚያ ኣትሌት ስለሺ ስሂን፣ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኮ/ር ግርማ ዳባ፣ ካብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣይተ ጌቱ ገረመው ከምኡ ካብ ምምሕዳር ከማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዱቤ ጅሎ ነቲ ፌደሬሽን ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ሕፁያት ኮይኖም ቀሪቦም፡፡