ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝቐረበ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 31 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝቐረበ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 31 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት 6 ሺሕ 456 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምፍልፋል ነውሽጢ ሃገርን ጎረቤት ሃገራትን ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ ትካል ሞገስ መኮንን ተዛረቦም።

31 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ዝተረኸበ ንጅቡቲ፣ ሱዳንን ኬኒያን 497 ነጥቢ 8 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምሻጥ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment