ንግድብ ህዳሰ ካብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ 272 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ንግድብ ህዳሰ ካብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ 272 ሚሊየን ብር ከምዝተኣከበ ኤጀንሲ ዳይሳፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ካብ ዳያስፖራ ካብ ሓምለ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን 272 ሚሊየን ብር ከምዝተኣከበን ፍርቁ ዝኸውን ብህያብ ዝተበርከተ ከምዝኾን ገሊፀን።

ኣብ ቀዳማይ ዙር እዚ ዓመት ነሰራዊት ምክልኻልን ዝተመዛበሉ ወገናትን ዝኸውን 700 ሚሊየን ብር ከምዝተኣከበን ዝሓበራ እቲን ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ኣብ ሰለስተ ሰሙን ጥራሕ 36 ሚሊየን ብር ከምዝተኣከበ ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን።

3 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ብምውፋር ን13 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ትፕኢ ፀብፂቡ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምስርሑ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment