ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ከተማ ሶዶ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሃገር ናይ ምፍራስ ተግባር ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዞባ ወላይታ ከተማ ሶዶ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፥ ኣብ ዞባ ወላይታ ካብ ዝርከባ ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቶም ሰልፈኛታት፥ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ተግባር ሃገር ናይ ምጥፋእ ጭካነ ብሓድነት ክንምክቶ ኢና!

ኢትዮጵያ ትሰዓር ሃገር ኣይኮነትን!

ከባቢየይ ክሕሉ ኢየ ሃገረይ ንምድሓን ክዘምት ኢየ!

ኩልና ብሓባር ሓሊታት ጥፍኣት ክንምክት ይግባእ! ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም

ልኡኽቶ ህወሓት ዘፈፅሙ ኣብ በቢከባቢኡ ተሸጒጦም ዝርከቡ ባንዳታት ብምቅላዕ ናይ ባዕልና ግደ ክንዋፃእ ይግባእ!፣ ብደምን ዓፅሚን ጀጋኑና ዝተሃነፀት ሃገር ብእኩይ ተግባር ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኣይተፈርስን! እውን ኢሎም።

ኣብ መቓብር ከሓድቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን እናስምዑ ይርከቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment