ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኹንንን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስጉምቲ ንኽትወስድ ዝሓትትን ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ዝኹንንን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስጉምቲ ንኽትወስድ ዝሓትትን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሸንግተን ክካየድ ኢዩ።

ኣብ ፊትንፊት ዋይት ሃውስ ዝካየድ ሰልፊ÷ ዝተፈላለዩ ዕላማታት ዝተሓንገጠ ከምዝኾነ ኣካቢ ማሕበር ሰላምን ሓድነትን ንኢትዮጵያ ግብረ ሓይሊ ዲሲ ጣሰው መላከህይወት ገሊፆም።

ኣሜሪካ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝጀመሮ ኲናት ብዕሊ ብምኹናንን ንመፍረሲ ተግባሩ ተሓታቲ ክትገብርን ኣለዋ፣ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ክትብል ይግባእ” ዝብሉ ጭርሖታት ከምዘስምዑ ፀሪሖም።

ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትኽተሎ ዝተሰሓሓተ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዳግም ክትዕዘቦ ከምዝግባእ ዘተሓሳስቡ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ እውን ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ ዝድግፍ ወፍሪ ትዊተር እውን ጎድናጎድኒ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣይተ ጣሰው ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ኢትዮጵያውያን ብተወሳኺ ኤርትራውያንን ካልኦት ፈተውቲ ኢትዮጵያን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment