ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል ንምቅላስ ድልዋት ኢና-ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል ንምቅላስ ድልዋት ኢና-ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል ንምቅላስ ድልዋት ኢና ክብሉ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።

ካብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም።

እቶም ነበርቲ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ምሕጋዝ ማለት ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ምንዋሕን መናእሰይ ትግራይ ዘየድሊ መስዋእትነት ንክኸፍሉ ምግባርን ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያዊነቱ ዘይደራደር ህዝቢ ከምዝኾነ ኩሉ ሰብ ክግንዘብ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ንህዝቢ ትግራይ ካብ ግዝኣት እቲ ግብረ ራዕዲ ንምግልጋልን መናእሰይ ትግራይ ካብ ኲናት ንምውፃእን ኩሉ ተወላዲ ትግራይ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ምቅራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ዘተ፥ መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ እታ ከተማ ኣይተ መለሰ ኣለሙ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ተሳቲፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment