ንጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ንህቦ ዋላ ሓደ ሓፂር እዋን ኣይህሉን – እዚ ምዕራብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ንህቦ ዋላ ሓደ ሓፂር እዋን ከምዘይህሉ ዋና ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሜጀነር ጀነራል መሰለ መሰረት ገሊፆም።

ሜጀር ጀነራል መሰለ መሰረት ኣብ ውሽጢ እቲ እዚ ዝርከብ መበል 314 ኮር ኣባላት መበል 31ን 54ን ክፍለ ሰራዊት እናወሰዱዎ ዝርከቡ ስልጠናን ወታደራዊ ምድላውን ተዓዚቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓማውቲ ዝተሰከምናሉ ዝባንና ተላሒፁ ኢዩ ድሕሪ ሕዚ ብህይወት ንኽነብር ኣይንፈቅድን ኢሎም፡፡

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተቓወሞ ስለዝኾነ፥ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ሓፂር እዋን ወፍሩ ንኽዛዝም ስንቂ ከምዝኾኖ ገሊፆም፡፡

ህወሓት ንኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ እናበለ ዘናፍሶ ፕሮፓጋንዳ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎ ዓቕሚ ንኢትዮጵያ ምፍራስ ተሪፉ ንባዕሉ ከውድብ ዘይኽእል ዝፈረሰደ ጉጅለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሜጀነር ጀነራል መሰለ መሰረት፥ ወታደራት ኣብዚ ሕዚ እዋን እናወሰዱዎ ዝርከቡ ስልጠና ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሓፂር እዋን ንምድምሳስ ዘኽልን እቲ ጁንታ ዳግም ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከይረአ ዝገብርን ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዝረኸበርናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment