ንጉዕዞ ሃገራዊ ዕቤት ምትግባር ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገርና ጉዕዞ ዕቤት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምትግባር ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣገንዚቦም፡፡

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ሎሚ መዓልቲ 3ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከምዘካየደ ኣይተ ተመስገን በማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣፍሊጦም፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ድማ ሓፈሻዊ ምውጋን ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣፈፃፅማ ትግበራ ኢኒሼቲቭ 5 ሚሊየን ኮሪደራት ኢትዮጵያ ከምዝተገምገመ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣይ ቲ ፓርክ ብዝምልከት ኣብ ዝተውሃቡ ስራሕቲ ፀብፃብ ተግባር ከምዝተገምገሙ ብምሕባር÷ ብሄራዊ ዲጂታል ስትራቴጂ መንግስቲ ቀሪቡ ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዘተ ከምዝተገበረሉ ኣመልኪቶም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment