ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘይዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም ኣድላዪ ምድላው ከምዝተጀመረ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡
ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ም/ኮሚሽነር ጄነራል መላኩ ፋንታ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዓለም ለኸ ጉባታት ብዓወት ንኅዛዘሙ ግደ ፖሊስ ፌዴራል ዝለዓለ ኢዩ፡፡
ንኣብነት እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየዱ ብዙሓት ኮንፈረሳት ብዘይዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ክዛዘሙ ብትኹረትን ብምትሕብባርን ከምዝተሰርሐ ኣልዒሎም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ሰላምን ድሕንነቶምን ተሓሊዩ ንኽተኣናገዱ ግቡእ ስራሕ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም፡፡
ነዚ ድማ ካብ ፀፅታን ድሕንነትን ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ትልሚ ብምውፃእ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም፡፡
መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ 8 ን 9 ለካቲት ከምኡ እውን መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ሕብረት 5 ን 6ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።
ብመላኩ ገድፍ