ንጄኔራል መኮንናት ዝተሃነፁ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ብዕፃ ተመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋውመንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ንጄኔራል መኮንናት ዘህነፆም ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ብዕፃ ተመሓላሊፎም።

እቲ መርሃ ግብሪ ምውፃእ ዕፃ÷ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ሚኒስትር ዲኤታ ሰራዊት ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ፣ ጄኔራል መኮንናትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ “ንሃገሩ ብቕንዕናን ተኣማንነትን እናገልገለ ዝርከብ ሰራዊት በቢብርኩ ተጠቃሚ መንበሪ ገዛ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል መምርሂ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ኣብ ምሕላው ልኡኽቱኡ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ዝተመሓላለፉ ኣባይቲ 20 ሚኢታዊ ቅድመ ክፍሊት ንዝኸፈሉ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ንዘለዉን ንዝተሰናበቱን ጄኔራል መኮንናት ከምዝኾኑ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋውመንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዲየር ጄኔራል ደረጀ መገርሳ ብግደኦም ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ኣባይቲ ከምዘለዉን ስርሕቲ ምዝዛም ተጠናኺ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment