ንጀጋኑ ኢትጵያውያን ኣትሌታት ስነስርዓት ምንባር ሕቑፊ ዕምበባን ምረቓ ሓወልቲን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንነበር ጀጋኑ ኢትጵያውያን ኣትሌታት ስነስርዓት ምንባር ሕቑፊ ዕምበባን ምረቓ ሓወልቲን ተኻይዱ።

ንሻምበል ኣበበ ቢቂላን ሻምበል ማሞ ወልዴን መካነ መቓብሮም ኣብ ዝርከበሉ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ስነስርዓት ምንባር ሕቑፊ ዕምበባ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ፈሪሱ ዝነበረ ሓወልቲ ሻምበል ማሞ ወልዴ ድማ ብድጋሚ ተሰሪሑ ተመሪቑ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ መካነ መቃብር ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር፣ ውሩይ ኣሰልጣኒ ዶክተር ወልደመስቀል ኮስትሬን ፍሉጥ ጋዜጠኛ ስፖርት ደምሴ ዳምጤ ስነስርዓት ምንባር ሕቑፊ ዕምበባ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ስነስርዓት፥ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ኣይተ ኤልያስ ሽኩር፣ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስን ስድራቤቶምን ተረኺቦም፡፡

ኣይተ ኤልያስ ሽኩርን ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ንጀጋኑ ኣትሌታት ምዝካር ንተተካእቲ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾነ ኢዩ፡፡

መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ኦሎምፒክ ማራቶን ሮም ሻምበል ኣበበ ቢቂላን ክሳብ ሪዮ ኦሎምፒክ ተዓወትቲን ተሳተፍቲን ዝነበሩ ኣትሌታት ዝዝክር መርሃ ግብሪ፥ ክሳብ 3 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብኣሰናዳእነት ፎዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትጵያ እናተሳለጠ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment