ንዴሞክራሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ግዕዙያት ኣሰራርሓታት ምቅላስ የድሊ- ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዴሞክራሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ግዕዙያት ኣሰራርሓታት ምቅላስ የድሊ ከብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ  ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ስልጠና ምርመራ ጋዜጠኝነት ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ግዕዙያት ኣሰራርሓታት ሀንፀት ሃገር ንከይዕወት ይገብሩ ኣለዉ ኢሎም።

እቶም ግዕዙያት ኣሰራርሓታት ብፍላይ ብትካላት ሚዲያ ምቅላስ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ክፍተት ዓቕሚ፣ ኩነታት ፖለቲካ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ልኡኾም ንከይዋፅኡ ይገብሩ ከምዝነበሩን እቶም ክፍተታት ዓቕሚ ምምላእ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ሰልጠና ዓቕሚ ንምልላይን ንምጥቃምን ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ብታሪኩ ለገሰ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment