ንደቂ ሰብኣያ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ዝቐተለት ውልቀ ሰብ መቕፃዕቲ ሞት ተፈሪዱዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ቡራዩ ወረዳ ከታ ንክልተ ደቂ ሰብኣያ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ዝቐተለት ውልቀ ሰብ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ተፈሪዱዋ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ሸገር ሎሚ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእይኡ ደቂ ክልተ ዓመትን 12 ዓመትን ደቂ ሰብኣያ ኮነ ኢላ ፀልማት ሽፋን ብምግባር ብዐለት 27/08/2015 ዓ.ም ለይቲ ሰዓት 5፡00 ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ዝቐተለት ወ/ሮ ነጋሴ ከበደ ዝተብሃለት ውልቀ ሰብ÷ ብሞት ፍርዲ ንኽትቅፃዕ ብይን ምሃቡ ኦቢኤን ፀብፂቡ፡፡

ተኸሳሲት ገበን ፈፂማ ካብ ዝሃደመትሉ ዕለት ጀሚሩ ብፖሊስ እናተኣለሸት ድሕሪ ምፅናሕ÷ ፖሊስ ብዝገበሮ ልዑል ፃዕሪ 1 ግንቦት 2015 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ ከይዲ ፍርዲ እናተኸታተለት ከምዝፀንሐት ንመጋባእያ ኣብሪሁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment