ንዞባ ጎፋ ክሳብ ሐዚ 210 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ስዒቡ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ክሳብ ሐዚ 210 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እቲ ዝተገበረ ደገፍ እቲ 92 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ሓዊሱ መላእ ኢትዮጵያዊያን ብዝገበርዎ ርብርብ ንግዳያት እቲ ጉድኣት ኣድላዩ ሰብኣዊ ደገፍ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ተዛሪቦም።

መንግስቲ እቲ ክልል ነቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝርዝር ትልሚ ብምድላው ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment