ንዝደንፈዐ ታሪኽ ከተማና ዘኽብር ቀረብ ቱሪዝም ንምዕባይ ዝተዋደደ ፃዕሪ ወሳኒ  – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝደንፈዐ ታሪኽ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘኽብር ቀረብ ቱሪዝም ንምዕባይ ኣብ ሞንጎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላተ ዝተዋደደ ፃዕሪ ወሳኒ  ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም።

ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ፍፃመታት እናተኣናገደት ዝፀንሐት ከተማ ከምዝኾነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

እታ ከተማ ቀዳመይቲ መባፅሕቲ ናይ ምዃን ልዑል ዓቕማ ካብ እዋን ናብ እዋን ጋህዲ እናኾነ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምችውቲ ከተማ ንምዃን ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቐባሊት ጋሻ ኣብ ምግባር ዝተዋደደ ስራሕ መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ ልዑል ፅሬት ዘለዎ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ድሕንነትን ንዝደንፈዐ ታሪኽ ከተማና ቀረብ ቱሪዝም ዘደንፍዕ ብኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ ፃዕሪ ወሳኒ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment