ንዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኽምርምር ዝተጣየሸ ግበረ ሓይሊ ሚኒስተራት ንዓበይቲ ኮሚቴታት መርሃ ግብሪ ተግባር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኽምርምር ዝተጣየሸ ግበረ ሓይሊ ሚኒስተራት ንዓበይቲ ኮሚቴታት ረቂቕ ተግባር ዝርዝር መርሃ ግብሪ ከምዘፅደቐ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግበረ ሓይሊ ሚኒስቴራት ዶክተር ታደሰ ካሳ  ገሊፆም።ፈተት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ልዕለዋይ ኮምሽነር ትካል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት  ምርመራ ብምክያድ ፍሉይ ምኽረ ሓሳባት ዘካተተ ሪፖርት 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ዕላዊ ምግባሩ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ታደሰ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሪፖርት ብብርኪ መምርሒ ተቐቢሉ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ብምቕፃል ድማ ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ብሄራዊ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምክታት ምስ እቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ዝስርሑ ምርመራ ገበናት፤ ስራሕቲ ክሲን ድጋፍ ጉዱኣት ብሓላፍነት ዘተሓባብር ግብረ ሓይሊ ሚኒስቴራት ብምጥያሽ ከምኡ እውን ኣወዳድባ ሴክሬታርያት ብምፍጣር ካብ 20 ሕዳር 2014 ዓ.ም ጀሚሩ እናተንቀሳቐሰ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ትሕቲ ግበረ ሓይሊ ሚኒስተራት ዝተወደቡ ኣረባዕተ ዓበይቲ ኮሚቴታት ዝምርሑሉን ተግባራዊ ዝገበሩሉን ዝርዝር ሰነድ (Action Plan) ዝተዳለወ እንትኸውን÷ እቲ ግበረ ሓይሊ 4 ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ሰነድ መርሚሩ ብምፅዳቕ እቶም ኮሚቴታት ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓሳት ንኽኣትዉ ዝተገበረ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment