ንዝተሓሰበሉ ድጎማ ነዳዲ 28 ነጥቢ 5 ቢሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሑት እቶት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ድጎማ ነዳዲ ተግባራዊ ካብ ዝተገበረሉ እዋን ጀሚሩ ንዝተሓሰበሉ ድጎማ ነዳዲ 28 ነጥቢ 5 ቢሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ምስ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን እቲ ዓውዲ ‘ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣብ ምክልኻል ተወዳዳሪነት ነዕስል’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተን ኣብ ወላይታ ሶዶ ይግምግም ኣሎ።

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ ሚኒስቴር ዘቕረቡ ፈፃሚ ስራሕ ስትራቴጂክ ጉዳያት ኣይተ ኡርጌሳ ባይሳ÷ እቲ ስርዓት ድጎማ ተግባራዊ ምግባሩ መንግስቲ ዝነበሮ 180 ቢሊየን ብር ብምቅላል ናብ 117 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከውርዶ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስርዓት ድጎማ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ጀሚሩ 199 ሺሕን 333 ተሸከርከርቲ ተጠቀምቲ እቲ ስርዓት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2 ሚሊየን 19 ሺሕን 455 ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገ/መስቀል ጫላ ኣብቲ እዋን፥ ዘላቒ ብዝኾነ፣ ብዝተዋደደን ዝተናበበን ኣመራርሓ ኣብ ስርዓት ንግዲ ዝረአ ማሕለኻታት ብምምዝርጋሕ ዕግበት ዜጋታት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ሽፋን ግልጋሎት ፍቓድ ንግዲን ምዝገባን ኦንላይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ 57 ሚኢታዊ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናብ 89 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ምብፃሕ ምኽኣሉ ኣብሪሆም እቶም ሚኒስትር፡፡

ብናህሪ ዋጋ ዝጉድኡ ወገናት ንምድጋፍ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን መንፈቕን 28 ነጥቢ 5 ቢሊየን ድጎማ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብቲ በጀት ዓመት÷ ኮንትሮባንድ፣ ፀገማት ፀፅታን ድሕንነትን፣ ካብ ዝተፈቐደ ወፃእ በቢቦትኡ ዝተዘርግሑ ዘይሕጋዊ ኬላታት ኣብ ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝነበሮ ምንግልታዕ፣ ወፃኢን ብኽነት ግዘን ክተርፍ ብምግባር ዕግበት ዓማዊል ከምዘዕበየ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment