ንዘይተወሰነ እዋን ሸርፊ ወፃኢ ዘይፍቀደሎም ካብ ወፃኢ ንዝኣትዉ ናውቲታት መመሓየሺ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘይተወሰነ እዋን ሸርፊ ወፃኢ ዘይፍቀደሎም ካብ ወፃኢ ንዝኣትዉ ናውቲታት መመሓየሺ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ገንዘብ ገሊፁ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ንዘይተወሰነ እዋን ተመሓላሊፉ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ዘይቀደሎም ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣተው ዝርዝር ናውቲ መመሓየሺ ምግባር ስለዘድለየ ቀፂሎም ኣብ ዝተዘርዘሩ ኣቑሑት መመሓየሺ ምግባሩ ሚኒስቴር ገንዘብ ንብሄራዊ ባንኪን ኮሚሽን ጉምሩኽን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ምምሕያሽ ዝተገበረሎም ካብ ወፃኢ ዝኣተዉ ናውቲ ቀፂሎም ቀሪቦም ኣለዉ፡፡

  1. ኣብ ታሪፍ ቁፅሪ 9401.9000ን 9403.9000ን ዝምደቡ ክፍሊታት ናውቲ እታወታት መፍረዪ ፣
  2. ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ብሸርፊ ወፃኢ ንምሻጥ ፍቓድ ዘላም ሬስቶራንታትን ሱፐር ማርኬታትን ናይ ባዕሎም ሸርፊ ወፃኢ ተጠቒሞም ዘእትዉዎም ኣቑሑት፣
  3. በዓል ኮኸብ ሆቴላት ብናይ ባዕሎም ሸርፊ ወፃኢ ተጠቒሞም ዘምፅኡዎም ናውቲታትን
  4. ካብ ቀረፅ ናፃ ሹቓት ዘምፅኡዎም ኣቑሑት ናውቲን እቲ ክልከላ ዘይምልከቶም ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንዘይተወሰነ እዋን ሸርፊ ወፃኢ ዘይፍቀደሎም ካብ ወፃኢ ንዝኣትዉ 38 ናውቲታት ዝርዝር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ዕላዊ ከምዝተበረ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment