ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ካብ ወፃኢ ዘበናዊ ዱኽዒ ምጉዕዓዝ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ካብ ወፃኢ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘበነ 2017/18 ካብ ወፃኢ ካብ ዝዕደግ 23 ሚሊየን ኩንታል መዳበሪያ፤ 472 ሺሕን 500 ኩንታል ዩሪያ ዝፀዓነት ፈላመይቲ “ኤም ቪ ኣባይ ክልተ “ዝተሰመየት ናይ ኢትዮጵያ መርከብ ኣብ ጂቡቲ ከምዝበፅሐት ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝቕጥሉ መዓልቲታት እውን ተወሳኺ መዳበሪያ ዝፀዓና መራኽብ ናብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝበፅሓን ናብ ሃገር ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ብቕልጡፍ ከምዝጅመር ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment