ንዘበነ ምህርቲ 2012/13 ዘገልግል ዕድጊት 14 ሚሊየን ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ከምዝተፈፀመ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ግብርና ፌዴሪኢ ንዘበነ ምህርቲ 2012/13 ዘገልግል ዕድጊት 14 ሚሊየን ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ተፈፂሙ ናብ ዓዲ ውሽጢ ይኣቲ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ፥ ካብቲ ዝተዓደገ ዘመናዊ ዱኽዒ እቲ 9 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል ኣበ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ገሊፀን።

ዘመናዊ ዱኽዒ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ ኬሚካልን እታዎታት ሕርሻን ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

ስለዝኾነ ሓረስቶት ብዝደልዩዎ መጠንን እዋንን እቲ እታዎታት ኣብ ምቕራብ ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ሓረስቶት ይኹኑ ሰብ ሞያ ሕርሻ ኣብ እዋን ምክፍፋል እቲ እታዎት ካብ ቫይረስኮሮና ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment