ንዘመናት ጠፊኣ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢትዮጵያ ብተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ተረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ፣ ተቐቢራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢትዮጵያ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።

እታ ከተማ ቤተ ሰማዕቲ ዝብል መፀውዒ ሽም ዝሓዘት እንትትከውን ን1400 ዓመታት ዝኣክል ሰባት ይነብሩላ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቤተ ሰማዕቲ፥ ኣካል እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ንምብራቕ ኣፍሪካ ብዓብላላይነት ይገዝእ ዝነበረን ምስ ከምኒ ሮማ ዝኣመሰሉ ግዝኣታት ልውውጥ ንግዲ የካይድ ዝነበረን ስልጣነ ኣክሱም ከምዝነበረት እውን ተሓቢሩ እዩ።

ጉጅለ ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ድሕሪ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተኻየደ ምይይጥ ኳዕቲ ምስ ጀመሩ ብእምኒ ዝተነደቑ ግድግዳታትን ፍርስራስ ህንፃታትን ክረኽቡ ክኢሎም እዮም።

ቤተ ሰማዕቲ፥ ካብ 771 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 645 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረት ከተማ ከምዝኾነት ነቶም ዝተረኸቡ መረዳእታት መሰረት ገይሩ ብዝተኻየደ ምርምር ራዲዮሽን ካርቦን(Radiotion carbon) ተረጋጊፁ ኢዩ።

ጃኪ ፊሊፕስ ዝተብሃለ ምሁር ዩኒቨርሲቲ ሶአስ ሃገረ እንግሊዝ፥ እቲ ርካብ ብጣዕሚ ጠቓሚ ከምዝኾነ ገሊፁ። መብዛሕትኦም ዝፍለጡ ናይ ስልጣነ ኣክሱምን ቅድሚኡ ዘሎ ዘመንን ቦታታት፣ ብችኮላ ዝተረኸቡ ካብ ምዃኖም ንላዕሊ ብብርኪ ዓለም ንክፍለጡ ዝተገበረ ፃዕሪ እውን ትሑት ምንባሩ ይዛረብ።

ሚካኤል ሃሮወር ዝተብሃለ ምሁር ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ሃገረ ኣሜሪካ ብግድኡ፥ “ስልጣነ ኣክሱም፣ ካብ ግብፅን ሱዳንን ወፃኢ ብጣዕሚ ፍሉጣት ካብ ዝነበሩ ጥንታውያን ስልጣነታት ኣፍሪካ ሓደ እኳ እንተነበረ ብዙሓት ሰባት ግን ብዛዕብኡ ፍልጠት የብሎምን” ይብል።

እቲ ስፍራ ኣብ ኣፍሪካ ዓቢዪ መበቆል ስልጣነ ዝነበሮም ህዝቢታት ዝነብሩሉ ምዃኑ እውን ተዛሪቡ።

ከም ኣረኣእያ ሃሮወርን ፊልፕስን እንተኾይኑ፥ እቲ መፅናዕቲ ክሳብ ምልዓል ስልጣነ ኣኽሱም ቅድመ ስልጣነታት ከምዝነበሩ ዘረጋግፅ ምዃኑ፣ ክልቲአኦም ስልጣነታት ነናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ስርዓት ምሕደራ ከምዝነበሮምን እዚ ድማ ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ዝነበሮም ግምት ዘረጋገፀ ከምዝኾነንን ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ከተማ ቤተ ሰማዕቲ ብዙሓት ኣናእሽተይ ህንፃታት ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ዓቢዪ በዓል ኣርባዕተ ኣንጎሎ ህንፃ “ካቴድራል”፣ ናይ መስቀል ቅርፂ ዘለዎ መመላኽዒ እምኒን ካልኦት ብዙሓት ኣቑሑት እውን በቶም ጉጅለ ተመራመርቲ  ተረኺቦም ኢዮም።

ብተወሳኺ ካብ ነሓስ ዝተሰርሐን ብውቂ ዝተሓፀበን ናይ ርእሲ ብዕራይ ቅርፂ ዘለዎ ምስሊ ዝሓዘ ቀለበት ተረኺቡ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ኒውሳይንቲስት

Comments (0)
Add Comment