ንዘሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ጣሊያን ተዓቒቦም ዝነበሩ ተኸሰስቲ ካብ ዝተዓቖቡሉ ውሱን ቦታ ምልቃቖም ስዒቡ መንግስቲ ጣሊያን ናእድኡ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ጣሊያን ተዓቒቦም ንዝነበሩ ተኸሰስቲ ካብ ዝተዓቖቡሉ ውሱን ቦታ ምልቃቖም ስዒቡ መንግስቲ ጣሊያን ናእድኡ ገሊፁ።

ኣብ ኦምባሲ ጣሊያን 30 ዓማውቲ ተዓቑቦም ዝነበሩ ሌተናል ኮሎኔል ብርሃኑ ባየህን ሌተናል ጄኔራል ኣዲስ ተድላን ብምሕረት ንኽልቀቑ ምውሳኑ ይፍለጥ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ኢማኑኤል ክላውዲያ ዴል ሪ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመስጊነን፡፡

እተን ሚኒስትር ጣሊያን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዘይትቕበል ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያን ጣሊያንን ንነዋሕቲ እዋናትን ንዝማዕበለ መገዲን ብሓባር ክጓዓዛ ኢየን እውን ኢለን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment