ንዘላቒን ሓቛፊን ምዕባለ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ዲጂታላዜሽን ወሳኒ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ንለውጢ ኣፍሪካ ዲጂታላይዜሽን ምዕጣቕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናድአ መድረኽ ዘተ ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ሓዊሱ መራሕቲን ተወከልቲን ዝተፈላለያ ሃገራት  ተረኺበነ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ንዘላቒን ሓቛፊን ምዕባለ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ዲጂታላዜሽን ወሳኒ ኢዩ ኢለን።

ዲጂታላይዜሽን ብምጥቃም ለውጢ ክሌማ ምክልኻል ይግባእ ክብላ እውን ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምጥቃም “ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025″ ኣብ ዝብል ማዕቐፍ ትሰርሕ ከምዘላ ብምሕባር፥ ኣብ ተበፃሕነት  ቴሌኮም፣ ዲጂታል ፋይናንስ፣ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ኢንተርኔትን  ትሰርሕ ከምዘላ ኣገንዚበን።

ዲጂታላይዜሽን ኢንቨስትመንት ንምቅልጣፍ ርኡይ ግደ ኣለዎ ብምባል፥ ኣፍሪካዊያን ኣብቲ ዓውዲ ጠመተ ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment