ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ክታበት እንስሳት 665 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኢንስቲትዩት ሓለዋ ጥዕና እንስሳት ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ናብ ዕዳጋ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ዘቕረቦ ክታበት እንስሳት 665 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩቱ ታከለ ኣባይነህ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፥ እቲ ኢንስቲትዩት 23 ዓይነታት ክታበት እንስሳት የፍሪ ኣሎ።

እቶም ክታበታት ንውሽጢ ዓዲን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ይቐርቡ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋረሕ 175 ሚሊየን ዶዝ ክታበት ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ 665 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment