ንዕውትነት ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ቴሌኮም ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ብሄራዊ ኮሚቴ

ኣዲስ ኣበባ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፋ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ቴሌኮም ዕዉት ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣካቢ እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂንን ዶክተር ኣሕመዲን መሓመድ ተዛሪቦም።

ብሄራዊ ኮሚቴ መዳለዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ልምዓት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ነቲ ምድላው ኣመልኪቱ ኣኼባ ዘካየደ እንትኸውን፥  እቲ ኮንፈረንስ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ እውን ዝውክል ከምዝኾነ ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዶክተር ኣሕመዲን ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ዝካየድ እቲ ጉባኤ ብዓወት ንኽዛዘም ኣድለይቲ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ንዕዉትነት እቲ ጉባኤ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ንኽሰርሑ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ቴሌኮም በቢ4 ዓመት ዝካየድ እንትኸውን፥ ንመበል 8ይ ግዘ ዝካየድ ጉባኤ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ካብ 27 ጉንበት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝካየድ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment