ንዕዉትነት ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ኣመራርሓ ብልፅግና ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ይግባእ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዕዉትነት ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ኣመራርሓ ብልፅግና ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

“ዓቕሚ ብውፅኢት ፈተና ብዕውትነት” በዝብል መሪሕ ቃል ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ሃዋሳ ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ።

እቲ ስልጠና፥ እቲ ፓርቲ ዝጀመሮም መገዲታት ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ኣጠናኺሩ ምቕፃል ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ኣመራርሓ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ኣንፈት ስራሕ ዝሃቡ ኣይ ኣደም፥ ትልሚታት፣ ስትራቴጂታትን ፖሊሲታትን እቲ ፓርቲ ብሙሉእ ዓቕሚ ንምትግባር እቲ ኣመራርሓ ባህሊ ውሽጠ ዴሚክራሲኡ ከብ ከብል ይግባእ ኢሎም።

ዘጋጥሙ ፀገማት ብህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሕውነትን ምፍታሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከም ሃገር ንምፍፃም ዝተተለመ ኣሳታፊ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ዕዉት ንክኸውን እቲ ኣመራርሓ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment