ንዓለም መርኣያ ብዝኾነ ስራሕና ንደብስ ስውኣትና – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ  ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፎ ሰሙናዊ መልእኽቲ “ንዓለም መርኣያ ብዝኾነ ስራሕና ንደብስ ስውኣትና!” ክብል ገሊፁ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ኣብ መትከል ዓርስኻ ምኽኣል ተመርኪዙ ንዓለም ዘስደመሙን፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዘሎዎ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታትን፣ ሕላገታትን ብሓፈሻ ብዓል ዋና ረዚን ዘይሃስስ ድሙቕ ታሪኽ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድሙቕ ታሪክ ዝፀሓፈ፣ ካብ መትከሉ ፈተኽ ስለዘይብልን፣ ንተፈጥሮ ይኹን ሰብ ስራሕቲ ፀገማት ኢዱ ሂቡ ዘይፈልጥ ብምዃኑ እዩ፡፡ ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ፣ በብመዋእሉ ሃለዋቱ ከጥፍኡዎ ካብ ደገን ውሽጢ ዓዲን ንዝመፁ ፀላእቱ ስዕረት ተጎምጊሞም ክምለሱ ዝገብር ህዝቢ እዩ፡፡

ንኣብነት ብናይ መጀመሪያ ጀነራል ኣፍሪካ ብኣቦና ራእሲ ኣሉላ ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ፣ ቅድሚ 123 ዓመታት ንባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ጉንደትን፣ ዶግዓሊን ሓመድ ድበ ክኽደን ገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ኲናት ዓድዋን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ኣንፃር ፋሽሽት ሰራዊት ጣልያን ኣብ ዝተገበረ ውግኣት ድማ ታሪኽ ንዘልኣለም ዘዘንትዎ እጃም ኣወፊዩ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብንብረቱ፣ ጉልበቱ፣ ገንዘቡ፣ ረሃፁን ደሙን ከፊሉ ካብ ዝፅሕፎን ንዓለም ዘስደመሙ ታሪኻት፣ እቲ ቐንዲ ቅድሚ 45 ዓመታት 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም፣ ብሄራዊ ዕብለላን ምሒር ምዝመዛን ንምጥፋእ፣ ሽግ ሓርነት ወሊዑ፣ ኣብ ኣፍሪካ ዘይድፈር ተባሂሉ ይዝረበሉ ንዝነበረ ሰራዊት ፋሽሽታዊ ደርግ ምስ ማእለያ ዘይብሉ ጋዕ ገልጠሙ፣ ቅድሚ 28 ዓመታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከይምለስ ገይሩ ኣሃዳዊ ስርዓት ትምክሕተኛታት ቀቢሪዎ ነይሩ እዩ፡፡ ብርግፅ ሎሚ ሓይልታት ትምክሕቲ ሓመዶም ነጊፎም ኣለና ይብሉ ኣለዉ፡፡

እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዙይ ኣሃዳዊ ስርዓት ዳግም መሊስካ ንምትካል ዘኽእል ባይታ የለን፡፡ ብምዃኑ ርሑቕ ኣብ ዘይብሃል ጊዜ ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ብሰላማዊ፣ ዲሞክራሲያውን ሕጋውን ቓልሲ ፌደራሊስት ሓይልታት ሙሉእ ተሳትፎ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ከም ልማዶም ብትንትኖም ከምዝወፁ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ክጎብጥዎ ንዝተሃንደዱ ኩሎም ፀላእቱ የሻል ኣቢሉ ጀግንነቱ ኣብ ኲናት ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ተፈጥሮ ንዘስዕበሉ ፀገማት እውን ተንበርኪኹ ኣይፈልጥን፡፡ የግዳስ ሓርበኛ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ፣ ደጊሙ ደጋጊሙ ንፈታዊን ፀላኢን ብጭቡጥ ኣርእዩ እዩ፡፡ ከም ሓደ መርኣያ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም ፈለማ፣ ኣብ ትግራይ ኣዘንቢዩ ንዝነበረ በረኻ ኣንበጣ፣ ህዝብና ከም ንህቢ ዓሲሉ እቲ በረኻ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት ከየብፀሐ ዕልምልሙ ክጠፍእ ገይሩዎ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ኢዱ ብረት፣ በቲ ሓደ ድማ ስራሕቲ ማይን ሓመድን ዕቀባ ኣዐዊቱ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ፣ ንኲናት ዝፃወር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ፅዒሩ እዩ፡፡ ካብ ፅባሕ ምድምሳስ ደርግ ጀሚሩ ድማ፣ መደባት ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣበርቲዑ ስለዝተቀፀለሉ፣ ኣብ 1988 ዓ/ም ስሳን ሸሞንተን ሚኢታዊ /68 %/ ዝነበረ መጠን ድኽነት ናብ ዒስራን ትሽዓተን ሚኢታዊ /29 %/ ክወርድ ገይሩ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ምስ ተፈጥሮ ገጢሙ ሓመድ መሲሉ፣ ሓመድ ዓቂቡ ናብ ረብሕኡ ኣውዒሉ፣ ሓዱሽ ታሪኽ ስለዝፀሓፈ፣ መርኣያ ዓለም ኢኻ ተባሂሉ፣ ቕድሚ ዓመታት ብዕሊ ተሸሊሙ እዩ፡፡ እዚ ፍረ 11 ለካቲት ዝኾነ ሽልማት፣ ረብሕኡ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ካብ ልምዓታዊን ዲሞክራስያዊን መስመርና ዝፈልፈለ ሓምለዋይ ስትራተጂና ንዓለም ብምውፋይና ዘኹርዕ እምበር፣ ዘሕፍር፣ ሰጋእ መጋእ ዘብልን፣ ንድሕሪት ዝመልስ፣ ታሪኽን ናይ ቃልሲ መስመርን ዘይብልና ምዃና ብጋህዲ ዘርኢ እዩ፡፡

እዚ ዓለም ብዓለሙ ዝመስከረሉ ስራሕቲ መደብ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዘበን እውን “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንልምዓትን መኸተን” ብዝብል መሪሕ ቃል 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም አብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ኦፍላ ቓላይ ሓሸንገ ብደረጃ ክልል ክጅመር እዩ፡፡

ኣብዚ ን20 መዓልትታት ዝካየድ ነፃ ወፍሪ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ብደረጃ ክልል ሚኢቲ ሽሕ /100,000/ ሄክታር ንምልማዕ፣ በቢዕለቱ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ክወፍር መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡፡ እዚ መደብ ምዕዋት ኣብ ትግራይና ብዙሓት ኣብርሃ ኣፅባሃን ኣብ ቖላ ተምቤን ትርከብ መረረ ትበሃል ጣብያታት፣ ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይ ዘረአይኦ ተኣምር፣ ብመልክዕ “ሰራዊት ልምዓትን መኸተን” ተወዲብና ብምግፋሕ ሓምለዋይ ስትራተጂና ብሙሉእነት ንምዕዋት ክንረባረብ ይግባእ፡፡

ብድማር ኣብ ድሮን ፅባሕን ድሙቕ ፅምብል፣ መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት፣ ሓረስታይና ብቐንዱ መደባት ሓመድን ማይን ብምዕቃብ፣ ኣብ ከተማ ዝነብር ወዲ ትግራይ እውን ጎና ጎኒ ካልኦት መደባት 11 ለካቲት፣ ምስ ምውጋን፣ ንዕውትነት ሓምለዋይ ስትራተጂ መርኣያ ዝኸውን ማለት ከተማታትና ካብ 25-30 % ሚኢታዊ ዝተፈላለዩ ተኽልታት ብምትካል ውቅባትን ንናብራ ምቹው ንኽኾናን፣ ንዓለም መርኣያ ብዝኾነ ስራሕና ንደብስ ስውኣትና፣!! ዝብል ኣባሃህላ ጨቢጥና “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ተግባራዊ ብምግባር ናብ ሓዱሽ ናይ ቃልስን ዓወት መድረኽ ንምስግጋር ኩላትና ከም እንረባረብ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡ ሰናይ ቅነ ምድላው መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት፡፡

ቢሮ ርከብ ህዝብን መንግስትን ከልል ትግራይ
መቐለ፡29 ጥሪ 2012 ዓ.ም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment