ንወተሃደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላት ሓገዝን መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተወከልቲ ሰብኣዊ ደገፍ ዝገብራ ትካላትን መብርሂ ተዋሂቡ።

እቲ መብርሂ ኣብ ዝሓለፉ ዓመተ ፈረንጂ 2023 ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፣ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ኣፍሪካ ፍስሃ ሻወል፣ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጄር ጄኔራል ተሾመ ገመቹ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ፣ እዋናዊ፣ ሃገራዊን ከባቢያዊን ኩነታት መሰረት ብምግባር መብርሂ ከምዝተውሃበ  ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment