ንኽብሪ ሃገር እናተገበረ ዝርከብ ተጋድሎ ዳግማዊ ዓድዋ ንምምዝጋብ ዝተዳለወ ትውልዲ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ – ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላውነትን ክብሪን ኢትዮጵያን ንምሕላው እናተገበረ ዝርከብ ተጋድሎ ዳግማዊ ዓድዋ ንምምዝጋብ ዝተዳለወ ትውልዲ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ገሊፆም።

ዕላማ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚ ተዳኺማ ህዝባ ክበታተኑ ምግባር ኢዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ንግዲን ልምዓት ዕዳጋን ክልል ኣምሓራ ቀለመወርቅ ምህረቴ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተወሰኑ ኣካላት ዝምዕብሉሉን ዝተወሰኑ ድማ ዝደኽሉን መገዲ እናካየደ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት መንበሪ ካብ ምዕናውን ምዝራፍን ጀሚሩ መንግስተዊ ዝኾኑ ትካላት ዘሪፉ ወሲዱ ዝተረፉ ድማ ኣብ ስራሕ ከይውዕሉ ኣዕኒዩዎም ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝሳተፉ ኣካላት ኣብ ፀገም ክፀንሑ ብምግባር ናይቲ ክልል ኢሉ እውን ናይ ሃገር ኢኮኖሚ ክናጋዕ ሰሪሑ ኢዩ ኢሎም እቶም ሓላፊ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ምምሕዳር ሃፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ብግደኦም፥ ጠለብ ምግቢ ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዓቢዪ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ይዛረቡ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን እናገረበሩዎ ዝርከቡ ቃልሲ ዓቢዪ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ግርማ፥ “ኣብ ኩሎም ግምባራት ተጋድሎ ገይርና ክንስዕር ኣለና” ኢሎም፡፡

ክብሪ ኢትዮጵያ ንምሕላው እናተገረ ዝርከብ ቃልሲ ዳግማዊ ዓድዋ ንምምዝጋብ ዝተዳለወ ወለዶ ምህላዉ ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስን ዝዓነዉ ናይ ውልቀ ይኹኑ መንግስታዊ ትካላት ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ምግባርን ርብርብ ምግባር ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment