“ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ዝብል መርሃ ግብሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ዝብል መርሃ ግብሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ቀነዓ ያደታን ጠቅላይ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ጄነራል ብርሃኑ ጁላን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

እቲ መርሃ ግብሪ ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንክልተ ደቓይቕ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ቅድሚ እቲ ዝተጠቐሰ ሰዓት ዝተፈላለዩ ስነስርዓታት አውን ተኻይዶም ኢዮም።

ብኣላዘር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment