ንክረምታዊ ማእቶት ዝኸውን ዕድጊት ኣግሮ ኬሚካል ንምክያድ ልዕሊ 60 ሚሊየን ዶላር ተሰሊጡ-ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክረምታዊ ማእቶት 2014/2015 ዓ.ም ዝኸውን ዕድጊት ኣግሮ ኬሚካል ንምክያድ ልዕሊ 60 ሚሊየን ዶላር ተሰሊጡ ክብል ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሶፊያ ካሳ ከምዝበልኡ፥ ፍሪያት ሕርሻ ንምስሳን ብፍላይ እታዎታት ኤግሮ ኬሚካል ወሳኒ ኢዩ።

ስለዝኾነ ብመሰረት ሕቶ ክልላት ንክረምታዊ ማእቶት ዝኸውን ዕድጊት ኣግሮ ኬሚካል ንምክያድ ልዕሊ 60 ሚሊየን ዶላር ከምዝተሰለጠ ገሊፀን።

እዚ ዕድጊት ኣብ እዋን ክራማት ሕፅረት ንከየጋጥም ከምተወሳኺ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሀን።

እዚ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ተዓዲጉ ንተረባሕቲ ከምዝከፋፈል ድማ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment