ንክልል ኣየር ኢትዮጵያ ዘብዒ ዝኾኑ ብቑዓት ሞያተኛታት ነፍሪ ብምህላውና ኩርዓት ይስመዐና- መምህራን ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልል ኣየር ኢትዮጵያ ዘብዒ ዝኾኑ ብቑዓት ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ነፍሪ ብምህላውና ኩርዓት ይስመዐና ክብሉ ኣመራርሓን መምህራንን ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር ገሊፆም።

ዲን እቲ ኣካዳሚ ኮሎኔል ለማ ማሞ፥ እቲ ኣካዳሚ ዝበለፁ ኣብረርቲን ቴክኒሻናትን ብምፍራይ ዓንዲ ሑቐ ህንፀት ሓይሊ ሰብ እቲ ሓይሊ ኣየር ብምዃን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ድሕሪ ለውጢ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ እቲ ሓይሊ ኣየርን ስልጠና ሙያን ብምህናፅ ልኡኹ ብዝለዓለ ብቕዓት ይዋፃእ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ሓይሊ ኣየር ንክልል ኣየር ኢትዮጵያ ዘብዒ ዝኾኑ ብቑዓት ሞያተኛታት ነፍሪ ብምህላውና ኩርዓት ይስመዐና እውን ክብሉ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment