ንክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዘይብዳህ ልምዓት ቡን ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዘይብዳህ ልምዓት ቡን ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ኦፊሰር ፕሮጀክት ፋይናስ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ (ዩኒዶ) ውሕመ ዳፊና ዲሎቫ ኣብ ልምዓት ዘይብዳህ ልምዓት ቡን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ሓምለዋይ ልምዓት ንምህናፅ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እናካየደት ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ፕሮጀክት ፋይናስ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ (ዩኒዶ) ውሕመ ምስቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓት ቡን ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ከምዝነኣዳ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment