ንኩለ መዳይ ዕብየት ሃገር ብምትሕበባር ክንሰርሕ ኢና-ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንውፅኢታዊነት ትግበራ ዝተማልአ ማክሮ ኢኮኖሚን ንኩለ መዳይ ዕብየት ሃገርን ብምትሕበባር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣረጋጊፆም።

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ምእታዉ ይፍለጥ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፥ ዕላማን ዘምፅኦም ዘሎ ውፅኢታትን እቲ መመሓየሺ ዝጠመተ መብርሂ ነቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ሂበን።

ኣብ መብርሂአን፥ መንግስቲ ብመሰረት መበል ካልኣይ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ናብ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዊ ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ፍሪያት ዓውዲታት ክብ ብምባል፣ ሓወላ ሸርፊ ወፃኢ ክብ ብምባል ወርቅን ቡንን ሓዊሱ ኣታዊ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ብልዑል ኩነታት ብምውሳኽን ሃገራዊ ኣታ ብምዕባይን ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ምርኣዩ ኣብሪሀን።

ኣብ ከይዲ ትግበራ እቲ መመሓየሺ፥ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ፅዕንቶ ንከይፍጠር ናህሪ ናብራ ብምርግጋዕ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፀን።

ንኣብነት፥ ንነዳዲ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ፣ መሰረታዊ መድሓኒ፣ ዘይቲን ካልኦት ድጎማታትን ዝኸውን ልዕሊ 328 ቢሊየን ብር ባጀት ከምዝተሰለዐ ሓቢረን።

 

Comments (0)
Add Comment