ንከተማ ሃረርን ከባቢኣን ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝቐርፍ ስራሕቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሃረርን ከባቢኣን  ዝነበረ ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሙሉእ ንሙሉእ ዝፈትሕ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መተሓላለፊ መስመራትን መከፋፈሊ ጣብያታት ምብራቕ ሪጅን ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር እቲ ሪጅን ኣይተ ጋሻው እንድሪያስ ከምዘፍለጥዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከተማ ሃረርን ከባቢኣን ልዑል ሕፅረት ሓይሊ ኣጋጢሙዋ ዝነበረ እንትኸውን፤ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ግዜያዊን ቀዋሚን ፍታሓት ተሓንፂፆም ኣብ ተግባር ክውዕሉ እናተገበሩ ከምዝፀንሑ እውን ተዛሪቦም።

ከም ኣገላልጻ ኣይተ ጋሻው÷ መንቀሊ ሕፅረት እቲ ሓይሊ ሓይልታት ትራንስፎርመር ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ፅዕነት ምሽካሞም እዩ።

ነዚ ንምቕራፍ ብወገን ሓይሊ ኤልክትሪክ ኢትዮጵያ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ብምግባር 50 ሜጋ ቮልት ኣምፔር ዝኾነ ትራንስፎርመር ዕድጊት ፈፂሙ፤ እቲ ትራንስፎርመር ሐረር      ቁጥሪ 3 መከፋፈሊ ጣብያ ብዘይምንም ፀገም ንኽቕመጥ ተገይሩ ኣሎ ኢሎም።

ምትካል እቲ ትራንስፎርመር ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምዝዛም ከምዝተሓሰበ ዝገለፁ ኣይተ ጋሻው÷ ምትካል እንትዛዘም ከተማታት ክልል ሃረሪ ከም ኣወዳይን ኮምቦልቻን ዝኣመሰሉ ከተማታት ምብራቕ ሃረርጌ ዘጋጥመን ሕፅረት ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝፍታሕ ምግላፆም ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment