“ንኣፍሪካውያን ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ኣምር ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ዝፈትሐትሉ መገዲ ኢዩ – ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ንኣፍሪካውያን ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ኣህጉራዊ ኣምር፤ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ዝፈትሐትሉ መገዲ ዓብዪ ኣብነት ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ዘተኦም÷ “ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመፅአ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ዝገበሮ ሓገዝ ብምንኣድ ኣብ ኣፍሪካ ዝፍጠሩ ፀገማት ብዓርሰ ዓቕሚ ንምፍታሕ ምትእምማን ዝፈጠረ ኢዩ” ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ሕብረት ኣፍሪካ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክዋፃእ ዘኽአለ ኣጋጣሚ ከምዘነበረ፤ በዚ ድማ ኣባል ሃገራትን መሓዙት እቲ ሕብረትን ነቲ ትካል ዘለዎም እምነት ንኽጠናኸር ከምዘኽአለ ኣብሪሆም።

ክብሪታት ፓን ኣፍሪካ ንኽጠናኸር ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣፍሪካ ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ሜላ ብምድንፋዕ ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ትውሰድ ሃገር ከምዝኾነት ምግላፆም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ሱዳናውያን ናይ ባዕሎም ፀገም ብባዕሎም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝሓሩ አእንትኾኑ÷ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ዜጋታ ወፃኢ ሃገር ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ ብግደኦም÷ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ብምሕላው ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝተዋደደ ፃዕሪ ሃገራት ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment