ንኣፈፀምቲ ምርጫ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራወቂ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ሃረሪን ምምሕዳር ድሬዳዋን ንዝተውፃእፅኡ ኣፈፀምቲ ምርጫ ስልጠና ይህብ ኣሎ።

እቲ ምርጫ ተኣማኒን ዴሞክራሲያዊን ብምዃን ንክዛዘም ከይዲ ቅድመ ምርጫ ኣብ ግልፅነትን ተሓታትነተን ይፍፀም ከምዘሎ ሓላፊ ጨንፈር ድሬዳዋ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣይተ ዚያድ ያሲን ገሊፆም።

ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ከይዲ ቅድመ ምርጫ ብዝምልከት ቦርድ ምርጫ ሕጊን ደንቢን ተኸቲሉ ንዘቕርቦ ሕቶ ብኣግባቡ ምላሽ ይወሃቦ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣፈፀምቲ ምርጫ ገለልተኛ ከምዝኾኑ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣፍልጦ ዝረኸቡን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተመልመሉን ከምዝኾኑ አዳረዲኦም።

እቲ ስልጠና ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment