ንኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ማእኸል ስሕበት ንምግባር ብትግሃት ይስራሕ ኣሎ-ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ውቅብቲ ብምግባር ዓለም ለኸ ማእኸል ስሕበት ንምግባር ዓሊሞም ዘስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ምቕፃሎም ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ካብ ኣራት ኪሎ፣ ቀበና ክሳብ ኤምባሲ ኬኒያ ዘሎ መገዲ ብስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብምልማዕን ብምውቃብን ንነበርትና ኣገልግሎት ንክውዕል ክፍቲ ገይርና ኣለና ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ወቅብቲ ዕምባባን ንነበርታ ምቹእቲን ከተማ ብምግባር ዓለም ለኸ ማእኸል ስሕበትን መነሃሪያ ሃወፅቲን ንምግባር ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ነርእይ ኣለና ክብላ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ምዕሩያት መገዲታት እግረኛ፣ መገዲታት ሞተር ኣልባ(ብሽክሌታታት)፣ ምቹኣት ናይ ታክሲን ኣውቶብሳትን ተሳፈርቲ መስቀልቲን መውረድቲን፣ ደው መበሊ መካይነ፣ ሓምለዋይ ቦታታት፣ መናፈኛታት ህዝቢ፣ ብርኪ እታ ከተማ ዝምጥኑ መብራህቲታትን ጃሕጃሕታን ሃኒፅና ክብላ እውን ኣብሪሀን።

ንኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪት ዝኾነት ዘበናዊት ከተማ ናይ ምግባር ስራሕና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብላ እውን ኣረጋጊፀን።

Comments (0)
Add Comment