ንኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ  ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ወግዓዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ  ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ወግዓዊ ገይሩ።

ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝሳተፈሉን ኣባገዳታት፣ ሃደሲንቄታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ዝርከቡሉ እቲ በዓል 25 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ ክኽበር።

እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ኣካላት ፀፅታ ጠመተ ብምሃብ ናብ ተግባር ብምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ፖሊስ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ተኸቢሩ ክሳብ ዝዛዘም እዘን ዘስዕባ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁው ከምዝኾና ተሓቢሩ።

  • ካብ ቅዱስ ኡራኤል ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወሰድ መገዲ ኣብ ቅዱስ ኡራኤል ኣደባባይ
  • ካብ ቦሌ ኣንፈት ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝኸዳ ተሽከርከርቲ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ብታሕቲ ንክኸውን የማንን ፀጋምን
  • ካብ መስቀል ፍላወር ናብ ኦሎምፒያ ዝወስድ መገዲ ጋዜቦ ኣደባባይ
  • ካብ ኣጎና ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ጥቓ ኣጎና ሲኒማ ከምኡወን ንቀለልቲ ተሽከርከርቲ ጥላሁን ኣደባባይ (ኣራተኛ ክፍለ ጦር)
  • ካብ ለገሃር መብራህቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ለገሀር መብራህቲ
  • ካብ ቴሌ መቋረፂ ናብ ስታድዮም ነዝጓዓዛ ቴሌ መቋረፂ
  • ካብ ራስ ሆቴል ናብ ስታድዮም ነዝኸዳ ተሽከርከርቲ ራስ ሆቴል
  • ካብ ሃራምቤ መብራት ወይ ካብ ኣምባሳደር ሲኒማ ብመስቀል ኣደባባይ ሃራምቤ መብራት
  • ካብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ጥቓ
  • ካብ ካዛንቺስ ሼል ናብ ባምቢስ ዝወሰድ መገዲካዛንቺስ ሼል ጥቓ
  • ካብ ጁፒተር ሆቴል ናብ ECA ዝወስድ መገዲ ባምቢስ ሳልኮት ህንፃ ጥቓ ካብ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም ሰዓት 6፡00 ጀሚሩእቲ መርሃ ግብሪ ክሳብ ዝዛዘም እቶም መገዲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሕብረተሰብ ንፀፅታ ስግኣት ዝኾኑ ኣጠራጠርቲ ነገራት እንትርእይ ብ011-1-11-01-11 ከምኡውን ብ991 ነፃ መስመር ስልኪ ሓበሬታ ብምሃብን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባር ግድኡ ንክዋፃእ ፖሊስ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment