ንኣትሌት ኮንስታብል ደሬሳ ገለታ ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ 33 ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ልዐል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከተን 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ብዲፕሎማ ንዝዛዘመን ኣትሌት ደሬሳ ገለታ ዕቤት መዓርግ ሂቡ።

በዚ መሰረት ነቲ ኣትሌር መዓርግ ሓጋዚ ኢንስፔክተር ከምዝተውሃቦ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል ኣመልኪቱ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤልም ነቲ ኣትሌት እቲ መዓርግ ኣልቢሶም፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ቀፃሎ ንጋንታ ስፖርት ኦሜድላ ብዝበለፀ ትኹረት ብመሃብ ኣብ መበል 34 ኦሊምፒክ ስፖርተኛታት ብምስታፍ ካብዚ ዓመት ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment