ንኣርቲስት ጥላሁን ገሰሰ ኣደባባይን ሓውልትን ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ 

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብስም ክቡር ኣርቲስት ዶክተር ጥላሁን ገሰሰ ኣደባባይን ሓውልትን ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ከምዝተቐመጠ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እዚ ዛተገለፀ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ ዝክረ አርቲስት ጥላሁን ገሰሰ ሙዚቃ ኮንሰርት ኢዩ።

እቲ ኮንሰርት ኣብ ሸገር ፓርክ ሕውነት ኢዩ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ “ደው ኢለ ክምርቐኪ” ብዝብክ  ብኣልበሙ መፀውዒ ኢዩ ተሰይሙ፡፡

ምክትል ከንቲባ አዳነች አቤቤ፥ ብስም ክቡር ኣርቲስት ዶክተር ጥላሁን ገሰሰ ኣደባባይን ሓውልትን ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ምቕማጡ ህያው ንክኸውን ይገብሮ ኢዩ ኢለን።

እቲ እምነ ኩርናዕ ፊት ንፊት ሸራተን ሆቴል ፊት ንፊት ከምዝተቐመጠ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment