ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣህጉራዊ ሰላም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝኸውን ተሞክሮ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምውሳድ ብሓባር ብምውዳብ ክሰርሑ ከምዝግባእ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ሓዱሽ ምሕዝነት ንልምዓትን ሓድነትን ኣፍሪካ (ኔፓድ) ወይዘሮ ናርዶስ በቀለ ገሊፀን፡፡
እተን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝተረኸባ እንትኾና÷ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሠራዊት ፖሊስ ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ ትካል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ለውጥታት ብፍላይ ፖሊስ ገበን ንምክልኻል ዝግልገለሎም ቴክኖሎጅታትን ዕጥቅታትን ከምኡ’ውን ዲፓርትመንት ፎረንሲክ ምርመራ ገበን ሓደሽቲ ዓቅምታት ቴክኖሎጂ ተዘዋዊረን ንክዕዘባ ገይሮም፡፡
ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኔፓድ ወይዘሮ ናርዶስ በቀለ ድሕሪ እቲ ዑደት ከምዝገለፀኦ÷ መሰረት ልምዓት ሕጊ ምኽባር ከምዝኾነን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ እናተጠቐምሎም ዝርከቡ ቴክኖሎጂ ሕጊ ንምኽባር ዓብይ እጃም ዝጻወቱን ኢዮም፡፡
ኢትዮጵያ በይና ሰላም እንተኾነት’ኳ ዝተማልአ ስለዘይኸውን÷ ኣህጉራዊ ሰላም ንምርግጋፅ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ተሞክሮ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምውሳድ ብሓባር ብምውዳብ ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን፡፡
ኔፓድ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፀን ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።