“ንኢትዮጵያ ካብ ኢድ ኣእታውነት ባዕዳዊያን ንምድሓን ብዘይኣፈላላይ ደው ክንብል ኢና” ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ፓርቲ ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) “ንኢትዮጵያ ካብ ኢድ ኣእታውነት ባዕዳዊያን ንምድሓን ብዘይ ኣፈላላይ ደው ክንብል ኢና” ክብሉ ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ፓርቲ ፖለቲካ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድሓን ዝግበሩ ዘለዉ ኢድ ናይ መእታው ደልየታት ንሓቂ ዝኸሓዱ ከመዝኾኑ ተዛሪቦም።

ድልየት ባዕዳዊያን ሀልውና ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ዘእትዉ ከምዝኾኑ ብተግባር ምርኣዮም ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ኣቦ መንበር ኣብን መልካሙ ሹምዬ ÷ ኢድ ናይ ምእታው ድልየትን ፅዕንቶን ንመንግስቲ ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን ኢሎም።

ኩሉ ብተግባር ደው ክብል ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣመራርሓ ራያ ራዩማ ሸዋዬ በሪሁን ÷ ሃገር ካብ ኣፈላላይ ፖለቲካ ንላዕሊ ገይርኻ ምሕሳብን ብሓባር ምስላፍን ግቡእ ኢዩ ኢለን።

ኣመራርሓ ናይ ኢትዮጵያ ደቂ ኣኒስቲዮ ጥምረት ነቢሃ መሀመድ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፀገም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ሓቢረን።

ናይ ማንም ኢድ ኣእታውነት ኣይትደልን እውን ኢለነ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment