ንኢትዮጵያ ስጋኣት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ርብርብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት የድሊ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ እዋናዊ ስጋኣት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ርብርብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ መምህር መምህር ዶክተር ሚርጊሳ ካባ ከምዝገለፁዎ፥ ጥዕና ማሕበረሰብ ምስ እንስሳት፣ ከባቢ ኣየር፣ ማይን ካልኦት ጉዳያትን ቀጥታ ርክብ ኣለዎ፡፡

ንኣብነት ድማ ኢቦላን ቫይረስ ኮሮናን ሓዊሱ 70 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሕማማት ካብ እንስሳት ናብ ሰብን ካብ ሰብ ናብ እንስሳትን ዝመሓላለፉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ኩነታት ምልውዋጥ ከባቢ ኣየር ነቲ ፀገም ብዝበለፀ እናስፋሕፈሖን እናጠንከሮን ከምዝመፅአ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኩለመዳያዊ ዝኾነ ፀገም ጥዕና ማሕበረሰብ ብሓደ ሴክተር ጥራሕ ምክልኻል ከምዘይከኣል ዝሓበሩ ዶክተር ሚርጊሳ፥ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብፍላይ ሚኒስትራት ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ገንዘብን ትምህርቲን ከምኡ እውን ሰብ መዚ ሓለዋ ከባቢን ሓለዋ ዱር እንስሳትን ኢትዮጵ ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣካቢ ኮሚቴ መተሓባበሪ ብሄራዊ ጥዕና ዶክተር ፈይሳ ረጋሳ፥ ሓደ መርሃ ግብሪ ጥዕና ሃገራዊ ስግኣታት ጥዕና ኣብ ምንካይ ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment